Daniel
Hoffmann
Practicing law for more than 15 years
Rechtsanwalt
ንኣስታት 15 ዓመት ከም ጠበቓ ኮይነ ሰሪሐ። ካብዘን 15 ዓመት ን12 ዓመት ነብሰይ ክኢለ ባዕለይ ኣብ ዝመርሖ ትካል ይሰርሕ። ናይ ስራሕ ልምዲ ምስ ፖሊስ፡ ኣኽባሪ ሕጊ፡ ምስ ካልኦት ጠበቓታትን ቤት-ፍርድን ከምኡውን ስልጣን ዘለዎም ቤት-ጽሕፈታትን ኣለኒ። እቲ ትደልይዎ ዓይነት ኣገልግሎት ሕጊ ካብቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ «ዝሰርሓሉ ዓይነታት ሕጊ» ዝብል ኣርእስቲ ክትመርጹ ትኽእሉ። ኣነ ንዝደለኹሞ ናትኩም ጥቕሚ ንምሕላው ኣብቲ ንእሽተይን ኣብ ማእከል ከተማ ዝርከብን ትካለይ ብድርኺትን ብሙሉእ ልበይን ጉዳያት ንምፍጻምን ንዓኹም ንምውካልን ድልው እየ። እዚ ዝስዕብ መረጋገጺ ውን ይህበኩም፥
- ኣብ እዋን ኣገልግሎት ጉዳይኩም ጀሚሩ ክሳብ ዝውዳእ ሓደ ብዓል ሞያ ሕጊ ንጉዳይኩም ይከታተሎ
- ብሕታዊ ዝኾነ ሞያዊ ኣገልግሎት ትረኽቡ
- ንዓይ ኣብ ዝኾነ እዋን ብተሌፎን ብኢመይል ወይ ውን ብቪድዮ ኮንፈረንስ (Zoom, MS-Teams) ክትረኽቡኒ ትኽእሉ
ገበናዊ ሕጊ
ብገበን ዝተጠርጠረ ሰብ፥ ዝኾነ ሰብ ብገበን ተጠርጢሩ ናይ ገበን ምጽራይ ከይዲ ኣብ ልዕሊኡ ከጋጥሞ ይኽእል። ከምዚ ምስዝኸውን ገበን ናይ ምጽራይ መርመራ ወይ ውን እስራት ከጋጥም ይኽእል። እዚ ኽኣ ኣብቲ ሓፈሻዊ ሂወት ናይቲ ወድ ሰብ ጽልዋ ክገብር ይኽእል። ኣብ ስድራኻን ኣብ ማሕበራዊ ሂወትካን ከምኡውን ኣብ ስራሕካ ጽልዋ ይገብር። ዋላ እኳ እቲ ጥርጣረ እንተዘይተረጋገጸ እቲ ዘስዕቦ ኣሉታዊ ጽልዋ ክትመልሶ መብዛሕቱ ግዚ ቀሊል ኣይኮነን።
ስለዚ ሳዕቤን ከየኸተለ ወይ እቲ ሳዕቤኑ ከቢድ ከይኮነ ከሎ፡ ኣብ መጀመርታ ናይቲ ገበናዊ መስርሕ፡ ናይቲ ከይዲ ሕግታትን፡ ትእዛዛት ሰበስልጣንን ክሕሎን ናይቲ በዓል ጉዳይ ናይ ምክልኻል መሰል ምሕላውን ኣገዳስን ወሳንን እዩ፡
መርመራ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ፥ እቲ ተጠርጢሩ ዘሎ ሰብ ነቲ ጉዳይ ከምዝፈጸሞ ኣዝዩ ልዑል ጥርጣረ ምስዝህልውን እቲ ሰብ ንኸይዲ ምጽራይ ክጸልዎ ይኽእል እዩ ኢሉ ምስዝእመንን ወይ መርትዖታት ክሓብእ ይኽእል እዩ ምስዝብሃልን፡ ወይ ውን ካብ ሃገር ክሃድም ይኽእል እዩ (ናይ ምህዳም ተኽእሎ) ተባሂሉ ምስዝሕሰብን፡ ከቢድ ገበን ብምፍጻም ድሕንነት ናይ ካልኦት ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ምስዝኸውንን፡ ገበን ናይ ምድጋም ተኽእሎ ምስዝህሉን እዩ መርመራ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝፍቀድ። ንመርመራ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ንኽካየድ፡ ኣኽባሪ ሕጊ ናይ ግድን ንቤት-ፍርዲ ሕቶ ከቕርብ ኣለዎ።
ጠበቓ ምግባር፥ ምስ ጠበቓ ዝግበር ርክብ ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፍካ ምስዝኸውን ካብቲ ትሕተተሉ ዘለኻ ገበን ቀልጢፍካ ክትገላገል ሓጋዚ መንገዲ እዩ። ስለዚ ቀልጢፍኩም ንፖሊስ፡ ነኽባሪ ሕግን ካልኦት ሕጋዊ ቤት-ጽሕፈታትን ቃልኩም ቅድሚ ምሃብኩም ንዓይ ርኸቡኑ። እንድሕር ምስ ተሽከርከርቲ ዝተተሓሓዘ ሓደጋ ኣጋጢሙኩም፡ ንትራፊክ ፖሊስ ኣብ ቦታ ሓደጋ ቃልኩም ኣይትሃቡ። ምስዝኾነ ሰብውን ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመኩም ሓደጋ ኣይትዛረቡ። ድሮ ኣብ ከምዚ እዋን ቃልኩም ንኸይትህቡ መሰል ኣለኩም። ነዚ ኣገዳሲ ዝኾነ መሰልኩም ተጠቐሙሉ። ፖሊስ ይኹን ካልእ ሰብ ብዙሕ እንተተዛረበኩምን እንተተመጻባዓልኩምን ብዘየገድስ። ሓንሳብ ዝሃብኩሞ ቃልኩም ምእራሙ ኣሸጋሪ ምዃኑ ኣስተውዕሉ።
ኣብ እዋን ሓደጋ፥ ምእሳር ወይ ፍተሻ መንበሪ ቤትኩም ምስዘጓንፍ ወይ ውን ግዳይ ናይ ሓደ ገበናዊ ፍጻመ ምስትኾኑ፡ ብቑጽሪ ተሌፎን ናይ ቤት-ጽሕፈተይ ዋላውን ካብ ናይ ስራሕ ሰዓታት ወጻኢ እንተኾነ ክትረኽቡኒ ትኽእሉ። እዚ ክትገብሩ ከለኹም ግን እቲ ጉዳይኩም ህጹጽ ምስዝኸውን ጥራይ እዩ። እንተዘይኮነ ኣብቲ ልሙድ ናይ ስራሕ ሰዓታት ጥራይ ኢኹም ቆጸራ ክትሕዙ ወይ ጉዳይኩም ክተስልጡ ትኽእሉ።
ስራሕ ገበናዊ ሕጊ ገፊሕ እዩ። ካብ ምክልኻል ገበን ጀሚሩ ክሳብ ምቕራብ ኣብ ቤት-ፍርድን ከምኡውን ክሳብ ምቕራብ ኣብ ላዕለዋይ መንግስታዊ ቤት-ፍርድን (ቤት-ፍርዲ ቡንድ) የጠቓልል። ወይ ክኣ አቲ መስርሕ ምጽራይ ገበን፡ ብመቕጻዕቲ (መቕጻዕታዊ ትእዛዝ) ወይ ብትእዛዝ ምዕጻው እቲ ጉዳይ ይዛዘም። መቕጻዕታዊ ትእዛዝን ትእዛዝ ናይ ምዕጻው ጉዳይን ኣብ ውሽጢ 10 መዓልቲ እዩ ክዕገት ዝኽእል (ይግባይ ብምባል)። እዚ እቲ መቕጻዕቲ (መቕጻዕታዊ ትእዛዝ) ብኣረኣእያኹም ዘይግቡእ ወይ ጌጋ ኢልኩም እንተኣሚንኩምሉን ወይ ውን ካብዚ ዝፎኸሰ መቕጻዕቲ ክኸውን ይግብኦ ኢልኩም እንተሓሲብኩምን እዩ። ከም ክሱስ (ገበነኛ) ይግባይ ትብሉሉ ምኽንያት ክትገልጹ ኣይትግደዱን ኢኹም። ቅድሚ ናብ ናይ ፖሊስ ወይ ናይ ኣኽባሪ ሕጊ ቃለ መጠይቕ ምኻድኩም ንሓደ ናይ ምክልኻል ጠበቓ ክትውከሱ ይመኽረኩም።
ገበናዊ ሕጊ ብተወሳኺ ምውካል ብዱላትን ግዳያትን ከምኡውን ምምሕዳራዊ ሕጊ ገበንን ነኣብነት ከም ሕጊ ወጻእተኛታት የጠቓልል። ከምኡውን ብገበን ምኽንያት እንተ ተጎዲእኩም ጥርዓን/ክሲ የዳልወልኩም።
ሕጊ ወጻእተኛታት
መብዛሕትኡ እዋን ሕጊ ወጻእተኛታት ሓጺር ናይ ግዜ ደረት ኣለዎ። ስለዚ ሓደ ውሳኔ ምስዝበጽሓኩም ግዜ ክየጥፋእኩም ቀልጢፍኩም ርኸቡኒ። መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ጉዳይ ወይ ብዛዕባ ምስሓብ ወይ ዘይምንዋሕ ናይ መንበሪ ፍቓድ (በ ወይ ሰ) ወይ ውን ብዛዕባ ምምጻእ ስድራቤት ናብ ስዊዘርላንድ እዩ። ስለዚ ቅድሚ እቲ ፋልማይ ርክብኩም ምስ ሰበስልጣናት ናይ ሚግሬሽን ሕጋዊ ሓበሬታ ክተናድዩ ኣገዳሲ እዩ። ናይ ባዕልኻ ጽሑፍ ዘይምቕራብ ወይ ናብ ሚግሬሽን ዘይምድዋል ዝበለጸ እዩ። ብዙሕ ግዜ ንሰበስልጣን ሚግሬሽን ክግለጹ ዘይግብኦም ምስጢራት ይግለጽ (ይወሃቦም) እሞ፡ ድሓር ክእረም ዘይክእል ይኸውን። ከምኡውን ብተሌፎን ይኹን ወይ ብኣካል ኣብ ባንኮ ቀሪብካ ዝውሃበኩም ሓበሬታ ብጥንቃቐ ክትጥቀሙሉ ይግባእ።
ተወሳኺ ኣገደስቲ ንጥብታት ኣብ ሕጊ ወጻእተኛታት፥
- ምቕያር መንበሪ ፍቓድ ካብ ኤፍ ናብ በ (ብመሰረት ሕጊ ዑቕባ)
- ምቕያር መንበሪ ፍቓድ ካብ በ ናብ ሰ
- ምቕባል መንበሪ ፍቓድ በ (መጀመርያ ግዚ ኣብ ስዊዘርላንድ)
- ካብ መንበሪ ፍቓድ ሰ ናብ ፓስፖርት ናይ ስዊዘርላንድ ምቕያር (ዜግነት ምውሳድ)
- ምስሓብ/ምስራዝ ፓስፖርት ናይ ስዊዘርላንድ (ዜግነት ምሕዳግ)
- ሰለስተ ዓመት ከይመላእካ ምፍልላይ ኣብ ሓዳር (ምሕዳግ ፍቓድ በ)
- ብሰንኪ ዘለካ ዕዳ መንበሪ ፍቓድ በ ወይ ሰ ምሕዳግ
- ብሰንኪ ገበን ምፍጻም መንበሪ ፍቓድ በ ወይ ሰ ምሕዳግ (ተእዛዝ ናይ ምውጻእ ካብ ሃገር)
- ዝቐለለ ተኽእሎ ናይ ምምጻእ ስድራ፡ ፓስፖርት ናይ ሑቡራት ሃገራት ኤውሮፓ ንዘለዎም ሰባት
- ምምጻእ ጥሮታ ናይ ዝወጹ ወለዲ ካብ ወጻኢ
- ጸገም ምስ ሰበስልጣን ምምሕዳር ናይ ትነብሩሉ ከባቢ
- ጸገም ምስ ሃገራዊ ቤት-ጽሕፈት ሚግሬሽን (SEM)
- ጸገም ቪዛ ወጻኢ ኣብ ዝርከቡ ናይ ስዊዘርላንድ ኤምባሲ
ሕጊ ዑቕባ
ሕቶ ዑቕባኹም ብሃገራዊ ቤት-ጽሕፈት ሚግሬሽን (SEM) ተቐባልነት ምስዘይረክብ፡ ናብ መንግስታዊ ምምሕዳራዊ ቤት-ፍርዲ ይግባይ ንምባል ይሕግዘኩም። ጥርዓንኩም ንኽልተ ግዜ ምስዝንጸግ፡ ጉዳይኩም መሊሱ ንኽርኣይ ክትሓቱን ወይ ውን ካልኣይ ወይ ሳልሳይ ሕቶ ዑቕባ ንኽተቕርቡ ይሕግዘኩም። ከምኡውን ናብ ስዊዘርላንድ ቅድሚ ምምጻእኩም ፋልማይ ሕቶ ዑቕባ ንኽተቕርቡ ክሕግዘኩም ይኽእል። ናይ መንበሪ ፍቓድ ኤፍ ምስዝህልወኩም፡ ዑቕባኹም ንግዚኡ ተቐባልነት ኣለዎ እምበር ምሉእ ብምሉእ ተቐባልነት የብሉን ማለት እዩ (ግዝያዊ ተቐባልነት)። ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት ውን ካብ መንበሪ ፍቓድ ኤፍ ናብ በ ንኽቕየር ኣርእስቲ (ዛዕባ) ይኸውን። እዚ Härtefallbewilligung ንዝብሃል ፍሉይ ፍቓድ ይምልከት።
ብተወሳኺ ኣብ ምቕራብ ጉዳይኩም ናብ ናይ ኤውሮፓ ቤት-ፍርዲ ሰብኣዊ መሰል (EGMR) ክሕግዘኩም ይኸእል።
ተወሳኺ ኣገደስቲ ንጥብታት ኣብ ሕጊ ዑቕባ፥
- ምቕያር መንበሪ ፍቓድ ካብ ኤፍ ናብ በ
- ምምንጣል መሰል ስደተኛ
- ምስ ሕጊ ዳብሊን ዝተኣሳሰረ ጥርዓን
- መጓዓዓዚ ሰነድ ስደተኛታት
ኣከያይዳ ስራሕ / ክፍሊት
ርክብና ብዝርርብ ምኽሪ ኣብ ቤት-ጽሕፈተይ ይጅምር። ኣድላዪ እንተኾይኑ ክኣ እቲ ርክብ ካብ ቤት-ጽሕፈተይ ወጻኢ ኣብ ዘሎ ናይ መዛረቢ ክፍሊ፡ ብተሌፎን ወይ ክኣ ብቪድዮ ኮንፈረንስ (Zoom, MS-Teams) ክፍጸም ይኽእል። ኒቲ ቀዳማይ ዝርርብ ንሓደ ሰዓት 200 ፍርንክ ክኽፈለኒ እሓትት። ኣብዛ እዋን፡ ንጉዳይኩም ዝምልከት ቃላዊ ምኽረይ ይህብ፡ ጉዳይኩም ሰሚዔውን ክፍትሓሉ ዝኽእለሉ መንገዲ ይሕብር፡ ከምኡውን ሕቶኹም ይምልስ። ድሕሪ ቀዳማይ ርክብና ኣየናይ መንገዲ ምስእንኽተል ዕውትን ጽቡቕን ውጽኢት ይህልወና ኢለ የመዛዝን።
ኣብ ከይዲ እቲ ዘሎ ሕግታት ተመርኲሰ ነቲ ጉዳይ የጽንዖን ይግምግሞን። ፍሉያት ኣገደስቲ ናይ ሕጊ ጽሑፋት ይውከስ። ንጉዳይኩም ዝምልከት ዘሎ ዕድላት፡ ጸገማትን ናይ ምትግባር ተኽእሎታትን ዝስዕቡ ወጻኢታትን ይግምግሞ። እቲ ውጽኢት ክኣ ብቓል ወይ ውን እንተደሊኹም ብጽሑፍ ይገልጸልኩም። ሽዑ ነቲ መጓቲኹም ወይ ውን ንዝምልከቶ ኣካል ጽሑፍ ይዳሎ።
ንስርሐይ ዝምልከት ክፍሊት ወይ ኣቐዲምካ ዝግበር ክፍሊት ብጥረ ገንዘብ ኣብ ቤት-ጽሕፈተይ፡ ብናይ EC ካርድ ወይ ብክረዲት ካርድ ይኽፈል ወይ ክኣ ኣቐዲምኩም ናብ ሕሳበይ ተሳግሩለይ።
ኣቐዲምኩም ንተሳግሩለይ ገንዘብ ዝምልከት ናይ ባንክ ሕሳበይ እዚ ዝስዕብ ኢዩ
Postfinance
Kontonummer 89-123474-0
IBAN: CH35 0900 0000 8912 3474 0
BIC: POFICHBEXXX
Rechtsanwaltsbüro Daniel Hoffmann
Europaallee 41
8021 Zürich
ናይ መራኸቢ ቅጥዒ
Rechtsanwaltsbüro Daniel Hoffmann
Europaallee 41
8021 Zürich
daniel.hoffmann@rechtsanwalthoffmann.ch
Tel. +41 44 558 96 46